Fana: At a Speed of Life!

ሓምሳ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኸ ሳዑዲ ዓረቢያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣሕመድ ኣል ቃጣን ዝምራሕን ሓምሳ ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲን ንግዲን እታ ሃገር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰለስተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኢዩ ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ።

ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ድማ፥ ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ወይዘሮ ሂሩት ዘመነ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት፥ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲን ኣባላት ክፍለ ኢኮኖሚ ውልቀን ኣብ ምጥንኻር ኩለመዳይ ርክብ ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዓረቢያን ኣድሂቡ ከምዝዛተ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.