Fana: At a Speed of Life!

መንግስ፥ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንዝሃብዎ ርእይቶ መብርሂ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ ፣ 2013(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ማይክ ሬይነር ናብ ቤት ፅሕፈቶም ብምፅዋዕ ሓቲተምዎም።

እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ንማይክ ሬይነር፥ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንዝሃብዎ ርእይቶ እዮም  መብርሂ ሓቲቶም።

ትራምፕ ምስ ቀዳሞት ሚኒስትራት ሱዳንን እስራኤልን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ቴሌፎን፥ ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ምህናፃ ኣግባብነት ከምዘይብሉን ግብፂ ነቲ ግድብ ክተፍርሶ ከምእትኽእልን ከምኡዉን ኣሜሪካ ዝጀመረቶ ሓገዝ ምቁራፃ ከምዝድግፉን ርእይቶ ሂቦም ኢዮም።

ስለዝኾነ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ክሊ እቲ ግድብ ዝሃብዎ ርእይቶ ስሕተት ከምዝኾነ ኣይተ ገዱ ገሊፆም።

ፍሰት ማይ እቲ ግድብ ከምዘይቋረፅ እናተፈለጠ እቶም ፕሬዚዳንት ዝሃብዎ መግለፂ ንሰባት ናብ ዝተሰሓሓተ መደምደምታ ዘምርሕን ኣብ ከይዲ ድርድር ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዝፈጥርን ብምዃኑ ኣድላዪ ኣይኮነን ኢሎም።

እቶም ፕሬዘዳንት ዝሃብዎ ርእይቶ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ኩይናት ዝቕስቅስ ከምኡዉን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝፀንሐ ስትራቴጂካዊ ርክብ ዘርእይ ኣይኮነን ኢሎም ኣይተ ገዱ።

ብተወሳኺ ሉእላዊ ሃገራት ብዝምርሓሉ ዝኾነ ይኹን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ተቐባልነት ኣይብሉን ኢሎም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ልእላዉነታ ብዝስንዘሩ መፈራርሒታት ኣይትንብርከኽን ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.