Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልዕሊ ህዳሰ ግድብ ሉኡላውነት ኢትዮጵያ ምድፋር ንዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይረብሕን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መሰል ባህጊ ምልማዕ ኢትዮጵያውያን፤ እቲ ስራሕ እውን ውፅኢት ረሃፅ ልእላዊ ህዝቢ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር  ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ህዳሰ ግድብ ብረሃፅ ኢትዮጵያውያን፣ ብዘይ ናይ ማንም ሓገዝን ረድኤትን ዝተሃነፀን ኣብ ምዝዛም ንምብፃሕ ዝተቓረበን ፕሮጀክት ማንነት ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ ህዳሰ ግድብ ይኹን ሉኡላውነት ኢትዮጵያ ምድፋር ንዝኾነ ይኹን ኣካል ኣይረብሕን ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ብደቃ ተኸቢራ ዝነበረት፣ ንቐፃሊ እውን እትነብር ዓባይ ሃገር ኢያ እውን ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ፕሮጀክት ብዝምልከት ዝወሃብ ኣዕናዊ ሓሳብ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ዘይጠቅም፣ ሉእላዊነት ዝዳፈርን መሰል ባህጊ ምልማዕ ኢትዮጵያውያን ዝዳፋእን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ናይል ፍትሓውን ናይ ሓባር ተረባሕነትን ብዘኽበረ መገዲ ክትንቀሳቐስ ፀኒሓ ኢያ እውን ኢሎም።

ምስ ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ክተካይዶ ዝፀንሐት ድርድር እውን ናይዚ መርኣዪ ኢዩ ኢሎም።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2010 ዝተፈረመ ስምምዕነት ድማ 6 ሃገራት ዘካተተን ቅድመ ሐዚ ዝነበረ ስምምዕነት ቅኝ ግዝኣት ዘትረፈን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ነተን ሃገራት ዝጠቅም ምኽኒያታዊን ፍትሓዊን ተረባሕነት ምርግጋፅ እንበር ሉኡላውነት ምድፋእ ኣይኮነን ክብሉ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.