Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኦስማን ዲዮን ተዛቲየን።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ኣብ ፕሮጀክት ዘላቒ ሽቶታት ልምዓት ጥዕናን ሃንደበታዊ መልሲ ሓደጋ ቫይረስ ኮሮናን ብባንኪ ዓለም ዝግበር ሓገዝ ሃይናንስ ተፈፃምነቱ ምቕልጣፍ ኣብ ዝከኣለሉ ዛዕባ ተመያይጦም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ስግግር ሴክተር ጥዕና ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ስራሕቲ ክስርሑሎም ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ኣመልኪቶም ልዝብ ምግባሮም ካብ ባንኪ ዓለም ጨንፈር ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የርድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.