Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ወኪላት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ፓርክ እንጦጦ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መቐመጢኦምኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩ ወኪላት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ፓርክ እንጦጦ ዑደት ኣሳሊጦም።

እቲ ዑደት በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ሚኒስቴር ገዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ከምዘዳለዉዎ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ብሮድካስት ዶክተር ጌታቸው ድንቁ፥ እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ንምፍላጥ ተቓሚ ስራሕ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዑደት፥ እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተመዝገበ ኩለመዳይ ለውጢ ክፈልጡ ንምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ጋዜጠኛታት ሓበሬታ ምስ ዝረኽቡሎም ትካላት ብምፍላጥ ቀፃሊ ፀብፃቦም ዝተማልአ ክኸውን ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ኣቐባሊ ቓል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብግደኦም፥ እቲ ዑደት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽ ክልተ ዓመት ዘመዝገበቶን ተመዝግቦ ዘላን ለውጢ ብኣግባቡ ንኽርድኡ ዘዓለመ ከምዝኾ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ወኪላት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ድማ በቲ ዑደት ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ፤ እቲ ፓርክ ቁፅሪ መባፅሕቲ ቱሪዝምን ኣታዊን እዛ ሃገር ክብ ከምዘብሎ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.