Fana: At a Speed of Life!

ዘተ ኢንቨስትመንት ኢትዮ ኣሜሪካ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዘተ ኢንቨስትመንት ኢትዮ ኣሜሪካ ብኣሳናዳኢነት ቤት ምኽሪ ኮርፖሬት ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ተሳሊጡ።

እቲ ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ዝተሳለጠ ዘተ፥ ኣብ ዓበይቲ ኮርፖሬሽናትን ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢንዱስትሪን ዝተዋፈሩ ኣባላት ዳያስፖራን ሓዊሱ ልዕሊ 300 ሰባት ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ኣይተ እዮብ ተካልኝ፥ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚን ብመንግስቲ እናተተግበረ ዝርከብ ከይዲ ሊበራላይዜሽንን ዝምልከት ገለፃ ገይሮም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣይተ ፍፁም ኣረጋ ድማ፥ እቲ ዘተ ንዘዳለወ ቤት ምኽሪ ኮርፖሬት ኣፍሪካ ምስጋና ኣቕሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ምስቲ ቤት ምኽሪ ብምትሕብባር መሰል ዘተታ ንኽካየዱ ድሌት ከምዘለዎም ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ኩባኒያታት ኣሜሪካን ኣባላት ዳያስፖራን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰፊሕ ዕድል ኢንቨስትመንት ንኽጥቀሙ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈራት መፍረዪ፣ እታወት ዝተወሰኾ ዘፈር ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ቱሪዝም፣ መዓድንን ካልኦት ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ክዋፈሩ ከምዝኽእሉ ኣይተ ፍፁም ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.