Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 2 ሺሕን 300 ተገጣጠምቲ መምሀሪ ክፍሊታት ክህነፁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ልዕሊ 2 ሺሕን 300 ተወሰኽቲ ተገጣጣሚ መምሀሪ ክፍሊታት ከምዝህነፁ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ፥ ውድብ ጥና ዓለም ብዘቐመጦ ምኽሪ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ኮቪድ ምክልኻል ማእኸል ብዝገበረ መልክዑ ትምህርቲ ክጅመር ምውሳኑ ይፍለጥ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትምህርቲ ንምጅማር ግብሪ ሓይሊ ተጣይሹ ኣድላዪ ቅድመ ምድላው እናተገበረ ከምዝኾነ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ኣዲሱ ሻንቆ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ ዝግበሩ ምድላዋት ስራሕቲ ምፅራይ መምሃሪ ክፍሊታት ሓደ እንትኸውን፥ ልዕሊ 2 ሺሕን 300 ተወሰኽቲ ተገጣጣሚ መምሃሪ ክፍሊታት ከምዝህነፁ እውን ኣገንዚቦም።

ቅድሚ ክብል ትምህርቲ ብምቁራፁ፥ ኣቢያተ ትምምህርቲ ንዝተፈላለዩ ተግባራት ውዒሎም ከምዝነበሩን ኣብዚ ሕዚ እዋን ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምቹዋት ንምግባር እናተሰርሕ ከምዝርከብን ገሊፆም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 400 ሺሕ ተምሃሮ ትምህርቶም ንምጅማር ዝተመዝገቡ እንትኾኑ፥ ክንዲ እቲ ዝተፀርሐ ቁፅሪ ዝኣክል ድማ ክምዝገቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣይተ ኣዲሱ፥ ወለዲ ደቆም ክምዝገቡ ብምግባር ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽልእኹ ፀውዖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 30 ሚሊየን ዜጋታት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝነበሩ ይኹኑ እምበር፥ ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ኣቢያተ ትምህርቲ ን7 ኣዋርሕ ዘኣክል ተዓፂየን ይርከባ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.