Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት ፍሉይ ኣኼቡኡ መፃኢ ሰኑይ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዘበን ስራሕ 6ይ ዓመት 1ይ ፍሉይ ኣኼቡኡ መፃኢ ሰኑይ ከምዘካየድ ተገሊፁ።

ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሳለጥ እቲ ኣኼባ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ክርከቡ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ዕለት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ፣ ሰበኽ ሳግምን ሓለዋ ከባቢን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ኣሄበኦም ከካይዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቶም ቀወምቲ ኮሚቴታት፥ ሰኑይ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሮም ኣብ መእከቢ ኣዳራሽ እቲ ባይቶ ኣኼበኦም ከምዘሳልጡ ተገለፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.