Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ዝቕፅ ረቡዕ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል ኬሚካል ዝነፅጋ 5 ኣውሮፕላናት ካብ ወፃኢ ንምእታው ፃዕሪ እናተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተራኢዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል ኬሚካል ዝነፅጋ ሓሙሽተ ኣውሮፕላናት ክሳብ ዝቕፅ ረቡዕ ካብ ወፃኢ ንምእታው ፃዕሪ እናገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ሕርሻ ገሊፁ።

ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ሶማሌን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ከምዝተርኣየ ገሊፆም።

እቲ ሚኒስትር እውን ምስ ክልላት ጥንኩር ውዳበ ብምፍጣርን ኣድላዪ ቀረብ ኬሚካል፣ ተሸከርከርቲ፣ ዳህሰስቲን ኬሚካል ነፀግቲን ኣውሮፕላናት፣ ከምኡ እውን ሰብ ሞያታት ብምምዳብ፤ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት እውን ውዳበ ብምፍጣር ናይ ምቁፅፃር ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ፀገም እናሰፍሐ ብምምፅኡ፥ ተወሰኽቲ ሓሙሽተ ኣውሮፕላናት ናብ ስራሕ ንምእታው ፃዕሪ ይግበር ኣሎ እውን ኢሎም።

እቲ ዕስለ ኣምበጣ ናብ ካልኦት ከባቢታት ከይስፋሕፋ ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ ምክልኻል ብጥንቃቐ እናተሰርሐ ከምዝኾነ፥ እቶም ሚኒስትር ኣብሪሆም።

በቲ ዕስለ ኣምበጣ ጉድኣት ዝበፅሖም ሓረስቶት ንምሕጋዝ ድማ ናይ ምፍላይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ዝግበሩ ስራሕቲ ምክልኻል ውፅኢታዊ ንኽኾኑ፥ በቢብርኩ ዝርከቡ ውዳበታት መንግስቲ ሕብረተሰብ ብዝድለ ደረጃ ብምስታፍን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምጥንኻርን ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣይተ ዑመር፥ ሰብ ሃፍቲ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ብዝኸኣሉዎ መገዲ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ጠጠው ንኽብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብትዝታ ደሳለኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.