Fana: At a Speed of Life!

መበል 13 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ዝቕፅል ሰኑይ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 13 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ “ሰንደቕ ዕላማና ንሰላምና፣ ሕብረትናን ሃገራዊ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝቕፅል ሰኑይ 2 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ከምዝኽበር ተገሊፁ።

እቲ በዓል በቢዓመቱ ዝተፈላለዩ መሪሕ ቃላት እናተመረፀሉ፥ ብፌዴራል፣ ክልልን ምምሕዳር ከተማን ምንነት፣ ውክልናን ትርጉምን ሰንደቕ ዕላማ ከምኡ እውን ብዛዕባ ኣዋጅ ሰንደቕ ዓላማ ዝገልፁ ሰነዳት ብወፍሪ መድረኽ ህዝቢ እናተኸበረ ምፅንሑ ተሓቢሩ።

እቲ በዓል ሎሚ ዘበን እውንንመበል 13 ግዘ ዝኽበር እንትኸውን፥ ብመሪሕነት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብብርኪ ፌዴራል ክልልን ምምሕዳር ከተማታትን ንምኽባር ምድላው እናተገበረ ይርከብ።

ብተወሳኺ ሰንደቕ ዕላማ ብምስቃልን ምስ መርሆታት ሰንደቕ ዕላማ ብዘገናዘበ መልክዑ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ትካላት ክኽበር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ መጠቓለሊ እቲ በዓል ረፋድ 4 ሰዓትን 30 ደቕቕን ኣብ ቀፅሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብዝተረኸባሉ ስነ-ስርዓት ምስቃል ሰንደቕ ዕላማ ክሳለጥ ኢዩ።

ብመሰረት ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሰንደቕ ዕላማ ቁፅሪ 863/2006 ዓ/ም አንቀጽ 2፥ ብሄራዊ በዓል መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ በቢዓመቱ ወርሒ ጥቅምቲ ምስኣተወ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ትርከብ ሰኑይ ንኽኽበር ከምዝተደንገገ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.