Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ጂማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 409 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ጂማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 409 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

እቶም ተመረቕቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ከምኡ’ውን ፒ ኤች ዲ ዝተምሃሩ እንትኾኑ፥ ቅድም ክብል ምስ ዝተመረቑ 3 ሺሕን 139 ተምሃሮ ብድምሩ 4 ሺሕን 549 ተምሃሮ ምምራቑ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር ጀማል ኣባ ፊጣ፥ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ምስ ዘምህሮም ናይ ምምሃር ምስትምሃር ተግባራት ጎድኒ ንጎድኒ ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝጀመሮም ስራሕቲ መፅናዕቲን ምርምርን ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.