Fana: At a Speed of Life!

966 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ በረራ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 966 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡

ካብ ሞንጎ ተመለስቲ 641 ደቂ ተባዕትዮ፣ 321 ደቂ ኣንስትዮን 4 ዕሸል ህፃናትን ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ንተመለስቲ ዜጋታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲን ማእኸላት መፅንሒን ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድረኦም ናይ ምፅምባር ስረሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ክሳብ ሕዚ ድማ ልዕሊ 38 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ምምላስ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.