Fana: At a Speed of Life!

9 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ኣገልግሎት መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ቀሪቡ- ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጅን

ኣዲስ ኣበባ፣  7 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ብምኽኒያት ደርቂ፣ ውሕጅን ጉንፅን ካብ መረበቶም ነዝተመዛበሉ  9 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ኣገልግሎት መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ከምዝቐረበ ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጅን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጅን ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ፥ ኣብቲ ዓመት ድርድር ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ኣብ ዓውዲ ማይን ሳኒቴሽንን ካልኦት ዓውዲታትን ዝሓሸ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

በቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብፍላይ መስተ ማይን ሳኒቴሽንን 9 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዜጋታት ኣገልግሎት ከምዝረከቡ ገሊፆም።

በዚ ድማ ኣብ ገፀር 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኣብ ከተማ ድማ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን በድምሩ 4 ሚሊየን ነበርቲ ተረባሕቲ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።

ኣብ 2030 ንኹሉ ዜጋ ናይ መስተ ማይን ሳኒቴሽንን ለንምቕራብን ሸቶ ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋትን ይስራሕ ከምዘሎ መዝራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.