Fana: At a Speed of Life!

9ይ ሃገር ለኸ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ሕብረት ስራሕ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲን ሰመትቲን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ቀጥታ ምትእስሳር ዕድጊት ዝፍፀመሉ 9ይ ሃገር ለኸ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ሕብረት ስራሕ ተኸፊቱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ኣደም ኑሩ፥ ካብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ዝቐርቡ ፍርያታት ሕርሻ ካብ 20 ክሳብ 100 ሚኢታዊ ምንካይ ዋጋ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ተወካሊ ኮሚሽነር ሕብረት ስራሕ ኣይተ ዳሬቦ ቡሴር ብግደኦም፥ እቲ ኤግኢቢሽንን ባዛርን ዕድጊት ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ካብ ምድንፍዑ ብተወሳኺ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ፍርያተን ንኸፋልጣን ሕድሕደን ንኽተሓጋገዛን ምቹው ሃዋህው ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብኣሰናዳእነት ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኢትዮጵያ ካብ 3 ክሳብ 7 ለካቲት 2014 ዓ.ም ኣብ ማእኸል ኤግዚቪሽን ኣዲስ ኣበባ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ ዕድጊት፥ 150 ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ፍርያት ሕርሻ ብተመጣጣኒ ዋጋ ንሸመትቲ ከምዘቕርቡ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.