Fana: At a Speed of Life!

9 ሰነ ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ሊሰጥ ፈተና ሬሚዲያል ናብ 11 ሰነ ተዘዋዊሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)9 ሰነ ክወሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ሊሰጥ ፈተና ሬሚዲያል ናብ 11 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝተዘዋወረ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ መዛዘሚ ፈተና ሬሚዲያል (መከሓሓሲ) ትምህርቲ ካብ 3 ክሳብ 10 ሰነ 2016 ዓ.ም ንመሃብ መርሃ ግብሪ ፈተና ተሰናዲኡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሩ፡፡

ይኹን እምበር 9 ሰነ 2016 ዓ.ም በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ብምዃኑ÷ ኣብቲ ዕለት ክወሃብ ዝነበረ ፈተና ናብ 11 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝዘዋወር ኣፍሊጡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.