Fana: At a Speed of Life!

8ይ ፎረም ቢዝነስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)8ይ ፎረም ቢዝነስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ ፎረም “ካብ ዝላ ናብ ምዕባለ፤ ዞባዊ ዓቕሚ ምትእስሳር እታወት ኣፍሪካ ምጥንኻር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ፣ ተዋሳእቲ ዘፈር ውልቀ፣ ትካላት ልምዓት፣ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ትካላት ፋይናንስን ተወከልቲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ተሳቲፎም፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ቀወምቲ እንስሳት፣ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ካልኦት ዓውዲታትን ከምኡ እውን ዞባዊ ምትእስሳር እታወትን ልምዓት ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚን ዘድሀበ ቢዝነስ ፎረም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ፎረም ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብቶም ዓውዲታት ዘለወን ተሞክሮታት፣ ቀፀልቲ ዕድላት፣ ፈተናታትን መፍትሒታትን ቀሪቦም ምኽክር እናተገበረ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

ብመራኦል ከድር

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.