Fana: At a Speed of Life!

8ይ ጉባኤ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኢትዮ- ሩሲያ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)8ይ ጉባኤ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኢትዮ- ሩሲያ ዝቕፅል ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር በለጠ ሞላ÷ 8ይ ጉባኤ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ኢትዮ- ሩሲያ ንምክያድ ምድላው እናገበረ ክዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዶክተር በለጠ ሞላን ኣመራርሓታት ትካላት ኣሰናዳእቲን ተሳተፍቲን እቲ ጉባኤ እናተገበረ ኣብ ዝርከቡ ቅድመ ምድላዋት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣባላት እቲ ኮሚቴ ቅድም ክብል ኣብ ዝተገበሩ ልዝባት ብዝተበፅሑ ስምምዓትን ኣንፈታት ስራሕን መሰረት ብምግባር ፀብፃብ ኣቕሪቦም፡፡

ዶክተር በለጠ ኣብ ቀፃሊ ተማሊኦም ክቐርቡ ኣብ ዝግበኦም ጉዳያት ብዕቱብ ክስራሕ ከምዝግባእ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.