Fana: At a Speed of Life!

8ይ ዓመታዊ ዓውደ መፅናዕቲ ምርምር ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)8ይ ዓመታዊ ዓውደ መፅናዕቲ ምርምር ዩኒቨርሲቲ ሳይንስና ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

“ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ፈጠራን ኢንዱስትሪ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ዝርከብ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ÷ ብዋናነት ንኢንዱስትሪታት ልዑል እታወት ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ነቲ ዓውደ መፅናዕቲ ብዕሊ ዘጀመሩዎ ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ባይሳ በዳዳ (ዶ/ር)÷ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንህንፀት ሃገርን ዓውዲ ኢንዱስትሪ ንምዕባይን ዘለወን ግደ ዕዙዝ ብምዃኑ፤ ኣብ ዝገብረኦ ስራሕቲ ምርምር ካብተን ትካላት ብዙሕ ትፅቢት ይግበር” ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስና ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባ ደረጄ እንግዳ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ንፈጠራ ከም መቀላጣፊ ብምዃን ዘገልግል ዓውደ መፅናዕቲ ከምዝኾነን ኢንዱስትሪታት ኢትዮጵያ ልዑል ኣበርክቶ ከምዝህልዎን ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ንተምሃሮን ምሁራን ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲን ምርምራትን ቀሪቦም ዘተ እናተገበረሎም እንትኸውን÷ ሎሚ መዓልቲን ፅባሕን ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.