Fana: At a Speed of Life!

78 ዓመት ዕድመ ዘለወን ወላዲቱ ዝቐተለ ተኸሳሲ ብፅኑዕ ማእሰርቲ ተቐፂዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)78 ዓመት ዕድመ ዘለወን ወላዲቱ ዝቐተለ ተኸሳሲ ብፅኑዕ ማእሰርቲ ከምዝተቐፅዐ ሚኒስቴር ፍትሒ ገሊፁ፡፡

ኣዲስ ኣስራት ይመር ዝተባህለ ተኸሳሲ ኣብ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ 04 ከባቢ ቤት ትምህርቲ ደብረሰላም ምስ ጓል 78 ዓመት እንኡ ይነብር ከምዝነበረ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

ተከሳሲ 16 ጥሪ 2015 ዓ.ም ለይቲ ብግምት ሰዓት 11 ዝኸውን ንወላዲቱ ካብ ዘቐመጠን ሶፋ ኣብ መሬት ወዲቐን እንትረኽበን ብኢዱ ክሳደን ሓኒቑ ብመሓዝ ህይወተን ክትሓልፍ ከምዝገበረ ፀሪሑ፡፡

ነቲ ጉዳይ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብምርመራ ኣፃሪዩ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝፍፀሙ ገበናት ዝከታተል ዳይሬክቶሬት ዓቃቢ ሕጊ ብመሰረት ገ/ሕ/ኣ 540 ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 1ይ መጋባእያ ቅትለት ሰብን ከቢድገበን ውንብድናን ክሲ ቀሪቡሉ ክትዕ እናተገበረ ምፅንሑ እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ከይዲ እቲ ክትዕ ድማ መረዳእታ ዓቃቢ ሕጊ ድሕሪ ምስምዑ ተኸሳሲ ንኽከላኸል ብይን ተዋሂቡ ከምዝነበረ ተገሊፁ፡፡

ተኸሳሲ እውን ናይ መከላኸሊ ምስክራት መረዳእታ ብምቕራብ ዘስምዐ ይኹን እምበር ብዓቃቢ ሕጊ ዝቐረቦ ክሲ ክከላኸል ብዘይምኽኣሉ ቤት ፍርዲ ናይ ጥፍኣተኛ ፍርዲ ሂቡ፡፡

በዚ ድማ ተኸሳሲ ብ10 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ከምዝወሰነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.