ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ምስፋሕ ንዕላማ ምዕባለና ወሳኒ ኢዩ-ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ምስፋሕ ንዕላማ ምዕባለና ወሳኒ ኢዩ ክብሉ መክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብረታ ብረት ኢንዱስትሪን ማሽን ቴክኖሎጅን ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝተመስረቱ ስማርት ፖላት፣ ዲች ከቨራትን ካልኦት ፍሪያታትን ኣብቲ ክልል ይስርሑ ንዘለዉ ለምዓት ኮሪደራት ኣብ ረብሓ ምውዓል ጀሚሮም።