ሽዱሽተ ንከባቢታት ሎስ ኣንጅለስ ዘንዱዱ ዘለው ሓዊታት
ኣዲስ ኣበባ፣ 02 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከባቢታት ሎስ ኣንጅለስ ብሰንኪ ዝተላዕለ ሓደገኛ ባርዕ ጫካ ክሳብ ሐዚ 10 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ብዙሓት ነበርቲ ካብቶም ከባቢታት ከወፅኡን ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ክእወጅን ምኽንያት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ፓሊሴድስ፣ ኢተን፣ ሃርስት፣ ሊዲያ፣ ሳንሴት፣ ኬነት ዝተባህሉ ሽዱሽተ ዓበይቲ ባርዓት ጫካ ኣስታት 20 ሽሕ ኣባይቲ ኣዕንዮም ከም ዘለው ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ገሊፂም።
እቲ ባርዕ ጫካ፥ ብሰሉስ ድሕቲ ቀትሪ ኣብ ዶብ ሎስ ኣንጅለስን ምምሕዳራት ቬንቹራን ምልዓሉ ይዝከር።
ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ድማ ናብ ኣስታት 1 ሽሕ ሄክታር ዝተላብዐ አነትኸውነ፥ ሐዚ እውን ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ከም ዘሎ ተገሊፁ።
ሓላፊት ሓደጋ ሓዊ ሎስ ኣንጅለስ ክሪስቲን ኤም ክሮውሊ፥ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ልዑል ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊፀን።
እቲ ዝዓበየ ባርዕ ሓዊ ኣብ ከባቢታት ፓስፊክ ፓሊሴድስ ዘጋጠመ ክኸውን እንከሎ፥ መብዛሕትኦም ህቡባት ሰባት ሆሊውድ ዝነብሩሎም ኣባይቲ ከም ዝዓነው ይግለፅ ኣሎ።
እዚ ባርዕ ሓዊ ኣብ ታሪኽ ሎስ ኣንጅለስ እቲ ዝኸፍአን ኣዕናውን ከም ዝዀነ ድማ ሰብ መዚ ይገልፁ።
ሽዱሽተ ንከባቢታት ሎስ ኣንጅለስ ዘንዱዱ ዘለው ሓዊታት
- ፓሊሳዴስ፦ እቲ ዝዓበየ ንጡፍ ባርዕ ሓዊ ኰይኑ ንከባቢታት ሳንታ ሞኒካን ማሊቡን ሃስዩ ይርከብ። ልዕሊ 20 ሽሕ ሄክታር ከባቢ ተቓፂሉ። ልዕሊ 5 ሺሕን 300 ትሕተ ቕርፂ ዓንዮም። ብውሕዱ 30 ሽሕ ሰባት ድማ ካብቲ ቦታ ክወፅኡ ተገዲዶም። ክሳብ ሐዚ ሽዱሽተ ሚኢታዊት እቲ ሓዊ’ዩ ምቍፅፃር ተኻኢሉ ዘሎ።
- ኢተን፦ ካልኣይ ዝዓበየ ኣብ ሰሜን ፓሳዴና ዝነድድ ዘሎ ሓዊ’ዩ። በዚ ዝተቓፀለ መሬት ብውሑዱ 13 ሺሕን 690 ሄክታር ይግመት። ልዕሊ 4 ሺሕ ትሕተ ቕርፂ ዓንዮም ወይ ጕድኣተ በፂሑዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለፅ። ሰለስተ ሰባት ክኣ ሀይወቶም ስኢኖም። ክሳብ ሐዚ ምቁፅፃር ኣይተኽኣለን።
- ሃርስት፦ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ከተማ ክዝርጋሕ እንከሎ 850 ሄክታር መሬት ኣቃፂሉ።
- ሊዲያ፦ ኣብ ሰሜን ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ጐቦታት ከም ዝተራእየ ተገሊፁ። ዝተቓፀለ ስፍሓት መሬት ክኣ 350 ሄክታር ይግመት።
- ሳንሴት፦ ኣብ ታሪኻዊ ከባቢ ጐቦታት ሆሊዉድ ክርአ እንከሎ 50 ሄክታር መሬት ኣቃፂሉ።
- ኬነት፦ ብሰሉስ ኣብ ሰዓታት ድሕቲ ቀትሪ ኣብ ዶብ ሎስ ኣንጅለስን ምምሕዳራት ቬንቹራን ዝተላዕለ ሓዊ’ዩ።