Fana: At a Speed of Life!

7ይ ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ሰላምን ፀፅታን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ምስ መንግስቲ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘሰናደኦ 7ይ ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ሰላምን ፀፅታን ኣብ ከተማ ሆሳዕና ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሳውን ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ አንዱኣለም ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍ ስራሕ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ በቲ ሚኒስቴር ኣብ በጀት ዓመት 2016 ብብርኪ ሃገር ኣብ ህንፀት ሰላምን ኣገልግሎት ወለንታን ዝተወገኑ ተግባራት ትኹረት ብምግባር ልዝብ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ኣብ ፌዴራሊዝም፣ ርክብ መንግስታትን ኣብ ምሕደራ ጎንፂን ዝተሳለጡ ተግባራት ሪፖርት ቀሪቡ ዘተ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ትካላት ሰላምን ፀፅታን እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት ኣብ ባይታ ትዕዝብቲ ከምዝገብሩን ትልሚ በጀት ዓመት 2017 ቀሪቡ ከምዝፀድቕ ምሕባሩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.