Fana: At a Speed of Life!

ፌስቲቫል ሸነን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኺፊቱ

ፌስቲቫል ሸነን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኺፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊን ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳን ንፌስቲቫል ሸነን ኣፍሪካ መሪቖም ከፊቶም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኅሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተሰናደአ ፌስቲቫል ሸነን ኣፍሪካ÷ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ነበር ኮኸብ ተፃወትቲ ናይጄሪያ ኑዋንኮ ካኑን ዳንኤል ኣሞካቺ ከምኡ እውን ሴኔጋላዊ ሄንሪ ካማራን ተረኺቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰብ ሞያ ስነ-ጥበብ ኣህጉር ኣፍሪካ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ፣ ዲዛይነራት፣ ተወዳደርቲ ቅርፂ፣ ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተፈለለዩ ዓውዲታት ሞያ ዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባት ተረኺቦም።

ኣብቲ ፌስቲቫል ዓይነታት ፍርያት ቡን ኢትዮጵያ ከምዝቐርቡን ውድድር ቅርፂ ፋሽን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፍፃመታት ከምዝውገኒኑ ተገሊፁ።

ፌስቲቫል ሸነን ኣፍሪካ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 23 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝካየድ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.