Fana: At a Speed of Life!

64 ሚሊየን ብር ዝግመት ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ እነትጓዓዓዝ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)64 ሚሊየን ብር ዝግመት ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ሓኡ ኬላ ጥሒሱ ንምሕላፍ ዝፈተነ ኣሽከርካሪ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ፣ ኮሚሽን ጉምሩኽን ኣብቲ ከባቢ ብዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ክልል ኦሮሚያ ብዝገበሩዎ ክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝውዓሉዎ ፖሊስ ገሊፁ።

29 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ቀትሪ ሰዓት 11:30 ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነጌሌ ቦረና ኬላ ዶሎ በር ትዮታ ደብል ፒክኣፕ ላንድ ክሩዘር ካብ ከተማ ነጋሌ ናብ ክልል ሶማሌ ንምኻድ ቀጥታ ብጉምሩኽ ወገን ኣቢሉ ንፍተሻ እንተቑሙዎ ፍቓደኛ ብዘይምዃን ኣብ ጎኒ እቲ ኬላ ዘሎ ናይ እግረኛ መገዲ ብምጥቃም ጥሒሱ ንምሕላፍ እንትፍትን ኣበላት ፖሊስ ፌዴራል ጥይት ይተኩሱ እምበር እናምለጠ እናሃለወ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስን ጉምሩኽን ኣብቲ ከባቢ ንዝነበረ ኮማንድ ፖስት ሓበሬታ ብቅልጣፈ ብምምሕልላፍ ኣብ ከባቢ ዶሎ በር ዝርከብ እኽሊ ዝራገፈሉ መዕርፎ ነፈርቲ ሓይሊ ሚሊሻ ኦሮሚያ ብዝገበሩዎ ክትትል እታ ተሸከርካሪት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒላ።

ብኣባላት ፖሊስ ፌዴራል እንትፍተሸ እውን 16 ኪ.ግ ወርቂ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ መጠን ዋጋ እንትትመን 64 ሚሊየን ብር ዘውፅእ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ።

ምስ ኣሽከርከሪኣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓለ ወርቂ እውን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነገሌ ናብ ዝርከብ መቆጣፀሪ ጣቢያ ጉምሩኽ ኣታዊ ከምዝተገበረ ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.