Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ፌዴራል ንትግራይ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሓሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ፌዴራል ንክልል ትግራይ ሓሙሽተ ሚሊየን ብር ሓገዝ ሂቡ።
ብሚኒስትራት ፌዴራል ዝተመረሐ ጉጅለ ልኡኽ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ሒዙ ሎሚ መቐለ ዝአተወ እንትኾን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እውን ተራኺቡ ኣሎ ።
ህዝቢ ትግራይ አብ ከቢድ ሓደጋ ድርቂ ወዲቑ ይርከብ ዝበላ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስ ትግራይ ዶክተር ምሕረት በየነ መሃያ ዘይተከፈለ ሰራሕተኛ ሰለ ዘለና ነዚ ንምፍታሕን ህዝቢ ትግራይ ንምድሓንን ህፁፅ ሓገዝ የድሊ ክብላ ነቶም ልኡኻት ገሊፀናሎም።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቃበታ ብወገኖም ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ዝተፈላለዩ ኣልባሳትን ምግቢ ተንከፍን ሓገዝ ሒዝና መፂእና ኣለና ድሕሪ ምባል ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ተሓጋጊዝና ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም።
ሚኒስቴር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ ብግድኤን ህዝቢ ትግራይ ዘላቂ ፍታሕ ክረክብ ዝክእል ናብ ንቡር ስርሑን ልምዓትን እንትምለስ እዩ ድሕሪ ምባል ኩሉ ኣካል ሓጋዛይ ክከውን ኣለዎ ኢለን።
ኩናት ኣዝዩ ከቢድ እዩ፤ ሰለዚ ህዝቢ ትግራይ ዘላቒ ፍታሕ ንክረክብ ሓቢርናን ተዋዲድናን ክንሰርሕ ኣለና ዝበላ ድማ ሚኒስትር ደቂ አነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይ ዶክተር ኣርጎጌ፥ ሓሙሽተ ሚሊየን ብር ሓገዝ ኣረኪበን።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.