Fana: At a Speed of Life!

6ይ ዙር ስልጠና ወለንታውያን መናእሰይ 4 መጋቢት ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሻድሻይ 6ዙር ስልጠና ወለንታውያን መናእሰይ 4 መጋቢት 2015 ዓ.ም ከምዝጅመር ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደኣ÷ ኣብቲ ስልጠና ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 15 ሺሕ ወለንታውያን መናእሰይ ከምዝሳተፉ ገሊፆም።

እቶም መናእሰይ ስልጠናኦም ምስ ዛዘሙ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ እታ ሃገር ተዋፊሮም ናፃ ኣገልግሎት ከምዝህቡ ኣመልኪቶም።

ንሓደ ወርሒ ኣብ ዝፀንሕ ስልጠና÷ ኣብ ፈጠራ ስራሕ፣ ስነ-ኣእምሮን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ትኹረት ከምዝገብር ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲታት ባህር ዳር፣ ጅማ፣ ዋቻሞን ወላይታ ሶዶን ስልጠና ዝወሃበሎም ትካላት ትምህርቲ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.