Fana: At a Speed of Life!

6ይ እዚ ልዑል ተጋድሎን ጅግንነትን ንዝፈፀሙ ኣባላትን ኣመራርሓን ስነ-ስርዓት ምሃብ መዓርግን ሜዳይን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ እዚ ካብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ወፍሪ ህልውናን ጀሚሩ ክሳብ ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ልዑል ተጋድሎን ጅግንነትን ንዝፈፀሙ ክፍሊታት ሰራዊት፣ ኣባላትን ኣመራርሓን ስነ-ስርዓት ምሃብ መዓርግን ሜዳይን ተኻይዱ።

ዋና ኣዛዚ እዚ ደቡብን ተሸላሚ ላዕለዋይ ሜዳይ ጅግና ዓወት ዓድዋን ሌ/ጄ ሰለሞን ኢተፋ ከምዝገለፁዎ፥ 6ይ እዚ ምስ ካልኦት ኣጋር እዚታት ብምዃን ንግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕቖኡ ዝሰበረ ከምዝኾነ ኢዩ፡፡

ዋና ኣዛዚ 6ይ እዚን ተሸላሚ ላዕለዋይ ሜዳይ ጅግናን ሜ/ጄ ተስፋዬ ወልደኪዳን ብግደኦም፥ “6ይ እዚ ሓይሊታት ጥፍኣት ሃገር ብምክፍፋል ሃገር ንምፍራስ ዝሓዙዎ ትልሚ ብወፍሪ ህብረ ብሄራዊ ሕልሚ ኮይኑ ንኽተርፍ ብምግባር ናይ ባዕሉ ጅግንነት ፈፂሙ ኢዩ ኢሎም።

6ይ እዚ፥ ን31 ጀጋኑ 1ይ ብርኪ ሜዳይ ዓውደ ውግእ፣ ን50 ጀጋኑ 2ይ ብርኪ ሜዳይ ዓውደ ውግእን ንኣርባዕተ ጀጋኑ 3ይ ብርኪ ሜዳይ ዓውደ ውግእን ብድምር ን85 ጀጋኑ ሸሊሙ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብዙሓት ኣመራርሓታትን ኣባላትን ዕቤት መዓርግ ዝተውሃበ እንትኸውን፥ እቲ እዚ ብዝገበሮ ሃገር ናይ ምድሓን ቃልሲ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላት እውን ምስክር ወረቐት ከምዝተውሃበ ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.