Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ፌዴሪኢን ሚኒስቴር ሳይንስን ኢኖቬሽንን ፓኪስታንን ተፈራሪሞምዎ፡፡

ኣብ ፓኪስታን ኢዝላማባድ ኣብ ዝተሳለጠ ስነስርዓት ፌርማ ከምዝተገለፀ÷ እቲ ስምምዕነት ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዓውዲ ዘለወን ተሞክሮ ዝለዋወጣሉን ዓቕመን ዘደንፍዓሉን ኢዩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር ፎዚያ ኣሚን÷ እቲ ስምምዕነት ትካላት ሳይንስን ፈጠራን ክልቲአን ሃገራ ሓሮም ዝሰርሑሉ ሃዋህ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ስምምዕነት ተዛሪበን።

እቲ ስምምዕነት÷ ፓኪስታን ኣብ ዓውዲታት ጨርቃጨርቂን ፋርማሲውቲካልን ካብ ዝፈጠረቶ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ልምዲ ትቀስመሉ ዕድል ከምዝፈጥር እተን ሚኒስትር ዴኤታ ገሊፀን።

ዋና ኣማኻሪ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፓኪስታን ዘይኑል ኣበዲን÷ እቲ ስምምዕነት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ሓዱሽ ዓውዲ ምትሕብባር ዝፈጥር ከምዝኾነ ምግላፆ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com   

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.