Fana: At a Speed of Life!

5 መዕርፎ ነፈርቲ እናሃነፀ ምዃኑ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ግሩፕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ተወሰኽቲ ናይ ውሽጢ ሃገር መብፅሒ መዕርፎ ነፈርቲ እናሃነፀ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል መስፍን ጣሰው ከምዝበሉዎ÷ እቲ መገዲ ኣየር ኣብዚ ሕዚ እዋን 136 ዓለም ለኸ ከምኡ እውን 22 ናይ ውሽጢ ሃገር መባፅሕቲ ኣለዉዎ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ኣብ ከተማታት ሚዛን ቴፒ ኣማን፣ ነጌሌ ቦረና፣ ያቤሎ፣ ጎሬ መቱን ደብረ ማርቆስን ሓሙሽተ ናይ ውሽጢ ሃገር መብፅሒ መዕርፎ ነፈርቲ እናተሃነፁ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ ኣቶም እቶም ኣርባዕተ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተዛዚሞም ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ብካሊእ መዳይ ጉድኣት ዝበፅሖም መዕርፎ ነፈርቲ ክሱምን ቀብሪደሃርን ሕድሳት እናተገበረሎም ምዃኑ ብምሕባር÷ “ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ክኣትዉ ኢዮም” ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.