Fana: At a Speed of Life!

5ይ ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ኣብ ሳይንስ ሙዚየም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር ለኸ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር “ድሕንነት ቁልፊ መሰረተ-ልምዓት ንዲጂታል ሉኣላዊነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሓሰ ወርሒ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

የወርሒ ድሕንነት ሳይበር ምክያድ ዘድለየሉ ምኽንያት ትካላትን ዜጋታትን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ግንዛበ ንምዕባይ ኢዩ ተናሂሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብብርኪ ሃገር ውፅኢታዊ ዝኾነ ምውዳድ ብምፍጣር ሉኣላዊነት ሳይበር ንምርግጋፅ እቲ ወርሒ ምኽባሩ ሓገዝ ከምዝገብር ተገሊፁ፡፡

እቲ ወርሒ እንትኸበር ኣብቲ ዓውዲ ዝግበሩ ልዝባትን ምይይጣትን፣ ውድድራት ተምሃሮ፣ 5 ሚሊየን ኢኒሼቲቭ ኮደርስ ንድሕንነት ሳይበር ዝፃወቶ ግደ ብዝብል ዝሰናድኡ ፕሮግራማት ከምዝህልዉ እውን ተሓቢሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.