Fana: At a Speed of Life!

5 ላዕለዎት መኮንናት ናብ ቤት ፍርዲ ጦር ሰራዊት ምክልኻል ተዘዋዊሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ርክብ ራዲዮ ሰራዊት ብምቁራፅ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ንኽበፅሕ ገይሮም ዝተብሃሉ ሓሙሽተ ላዕለዎት መኮንናት ናብ ቤት ፍርዲ ጦር ሰራዊት ምክልኻል ተዘዋዊሮም።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ብርጋዴር ጀኔራል ገብረህይወት ሲኖሲዮስ፣ ብርጋዴር ጄኔራል ኢንሶ ኢጃጆ፣ ብርጋዴር ጄኔራል ፍስሃ ገብረስላሴ፣ ኮሎኔል ደሳለኝ ኣበበን ኮሎኔል እያሱ ነጋሽን ኢዮም፡፡

ቅድም ክብል ብፖሊስ ፌዴራል እናተገበረሎም ምርመራ ተቛሪፁ ናብ ቤት ፍርዲ ጦር ሰራዊት ምክልኻል ክዘዋወሩ ከምዝተገበረ ፖሊስ ሎሚ መዓልቲ ንቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ገሊፁ፡፡

ይኹን እምበር ሜጀር ጄኔራል ገብረመድህን ፍቃዴ (ወዲ ነጮ)ን ሜጀር ጄኔራል ይርዳው ገብረ መድህንን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ብፖሊስ ናይ መወዳእታ 10 መዓልቲ መዛዘሚ ምርመራ ተሓቲቱዎም፡፡

ጠበቓታቶም ድማ ክሳብ ሕዚ ዝተኣሰሩዎ እኹል ኢዩ ክብሉ ተቓውሞ ኣስሚዖም፡፡

ምስ መርማሪ ፖሊስ ሓቢሩ ዝቐረበ ዓቃቢ ሕጊ፥ እቲ ምርመራ ከቢድን ዝተሓዋወሰን ከምዝነበረ ብምሕባር ሰፊሕ መረዳእታ ከምዝቐረበሎም ገሊፁ፡፡

ቤት ፍርዲ ብግድኡ፥ ንመወዳእታ ግዘ 10 መዓልቲታት ፈቕዱ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.