Fana: At a Speed of Life!

40 ጨንፈራት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ዘመናዊ ግልጋሎት ምሃብ ክጅምራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)40 ጨንፈራት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ካብ ዝቕፅል ዕለተ ሶኒ ጀሚረን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ከምዝህባ ተገሊፁ።

ኣካያዲ ስራሕ እታ ትካል ኣይተ ሙልጌታ ብርሃነ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ኣብዛ ሃገር ንዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ስዒቡ ዘጋጠመ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ በታ ትካል ንዝተጀመረ ፕሮጀክት ምትእትታው ዘመናዊ ኣሰራርሓ ዕንቅፋት ፈጢሩ እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ኩሉ ዘድሊ ቅድመ ምድላው “ዳታን ሶፍትዌርን” ተዛዚሙ ተግባራዊ ስራሕ ክጅምር እዩ ኢሎም።

በዚ ድማ ተገልገልቲ ኣብ ዝሙችዎም ቦታ ኸይዶም ገንዘቦም ከእትውን ከውፅኡን ከም ዝኽእሉ ዝሓበሩ እቶም ኣካያዲ ስራሕ፥ እቲ ዘመናዊ ኣሰራርሓ መጠን ዕቋር ክውስኽን ግልጋሎት ልቓሕ ድማ ሰለጤን ክህልዎን ከምዘኽእል ተዛሪቦም።

እተን 40 ጨንፈራት ናብ ስራሕ ምስ ኣተዋ እተን ዝተረፋ 160 ጨንፈራት እውን ክሳብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዘ ናብቲ “ሲስተም” ክኣትዋን ካብ ልማዳዊ ኣሰራርሓ ክናገፋ እየን እውን ኢሎም።

ከምኣገላልፃ ኣይተ ሙልጌታ፥ ካልኦት ሓደሽቲ ጨንፈራት ንምኽፋት እውን ምድላዋት ተዛዚሙ ኣሎ።

ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ንኣብዝሓ ሕብረተሰብ ተረባሒ ዝገብር ግልጋሎት ማይክሮፋይናንስ እናሳለጠት ባንክታት ዝህበኦ ግልጋሎት ሸርፊ ወፃኢ ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ዛዚማ ፍቓድ ብሄራዊ ባንኪ ትፅበ ምህላዋ ድማ ገሊፆም።

እታ ትካል ልዕሊ 9 ነጥቢ 6 ቢልየን ብር ልቓሕ ዝሃበት እንትትኮን፥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልየን ዓቖርቲ ዘቐመጥዎ ልዕሊ 9 ነጥቢ 4 ቢልየን ብር ዕቋር ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ብዛይድ ተስፋይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.