Fana: At a Speed of Life!

40 ሚኢታዊ ብፅሒት ኢትዮ ቴሌኮም ንምሻጥ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዓለም ለኸ ጨረታ ክወፅእ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ 3ይ ቴሌኮም ፕራይቬታይዜሽን ንመሃብ ዓለም ለኸ ትካላት ቴሌኮም ድሌቶም ንኸርእዩ ሓቲቱ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ሚኒስትር ዲኤታ ኢዮብ ተካልኝን ኢትዮ ቴሌኮም ብኽፋል ናብ ዘፈር ውልቀ ኣብ ዝዛወረሉ ኩነታ ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዝሳተፉ ዓለም ለኸ ኩባኒያታት ንምፍላይ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ጨረታ ከምዝወፅአ ገሊፆም።

40 ሚኢታዊ ብፅሒት ኢትዮ ቴሌኮም ናብ ዘፈር ውልቀ ንምምሕልላፍን ኣብ 3ይ ኣገልግሎት ቴሌ ኮምኒኬሽን ዝዋፈሩ ትካላት ፍቓድ ንመሃብ ጨረታ ከምዝወፅእን እውን ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ስራሕ ዝርከቡ ኢትዮ ቴሌኮምን ሳፋሪኮምን ዝፅምበር ዓለም ለኸ ትካል ቴሌኮም÷ ኣብ መርበብ ሓሬታ ሚኒስቴር ገንብ  ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 7 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ዝፀንሕ ጨረታ ድልየቶም ንኸፍልጡ እቲ ሚኒስቴር ሓቲቱ።

ብቆንጂት ዘውዴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.