Fana: At a Speed of Life!

4ይ ዙር ስልጠና ሃገራዊ ወለንታዊ ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰልጠንቲ ብሄራዊ ወለንታዊ ግልጋሎትን ማሕበረሰባዊ ልምዓትን ብኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዩኒቨርስቲ ጅማ ዝተውሃቦም ስልጠና ዛዚሞም።

ኣብ 4ይ ዙር መደብ ሃገራዊ ወለንታዊ ኣገልግሎትን ልምዓት ማሕበረሰብን “ሰናይ ንሓድነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ልዕሊ 9 ሽሕ መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስቲታት ሰልጠነኦም ብምዝዛም፤ ሎሚ ድማ ልዕሊ 1500 ሰልጠንቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ተመሪቖም።

ኣማኻሪ ሚኒስቴር ሰላም ኣምባሳደር እሸቴ ደሴ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ÷ ክፍፍል ብሄርን ግጭትን ንኸይፍጠር ኣብ ትሕቲ ጽቡቕ ግብሪን ምትሕግጋዝን ዝወሃብ ስልጠና ብልውውጥ ባህልን ሕድሕድ ብምምህሃርን ኣቢሉ ኣብ ፀጋታት ሃገር ዝተመርኮሰ ብምዃኑ ኣብ ምህናጽ ሰላም ዘይትካእ እጃም ኣለዎ ኢሎም።

“ኣብ ወለንታዊ ስራሕቲ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ምስታፍ ትዕድልቲ፣ ዕግበት ሕልናን መንፈስን ዝህብ ተግባር ምዃኑ ብምግንዛብ÷ ኣብ ስራሕቲ ዘላቒ ሰላምን ሃገራዊ ውህደትን ኣሰርኩም  ክትገድፉ ይግባእ” ኢሎም።

ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ጅማ ዶክተር ጀማል ኣባፊጣ ብወገኖም÷ “ካባኹም ብዙሕ ዝመሃሩን ካባኻትኩም ብዙሕ ዝረብሑን ብዙሓት ብምዃኖም፤ ካብ ሰብኣዊነት ከይጎደልኩም ሃገርኩም ዝሃበትኩም ሓላፍነትን ግቡእ ዜግነትን ብሙሉእ ኢትዮጵያዊ ልቢ ክትትግብሩ ይግባእ” ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.