Fana: At a Speed of Life!

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንኩለን ተፋሰስ ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ኢላ ከምትኣምን ታንዛኒያ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ታንዛኒያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንኩለን ተፋሰስ ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ኢላ ከምትኣምን ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ሳሚያ ሱሉሁ ተዛሪበን፡፡

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ታንዛኒያ ሽብሩ ማሞ ደብዳበ ሽመቶም ንፕሬዚዳንት ታንዛኒያ ኣቕሪቦም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ደብዳበ ሽመቶም ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን፥ ነዊሕ ግዘ ዘቑፀረ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ቀፃሊ ዓውዲታት ምትሕብባርን ኣመልኪቶም ምስተን ፕሬዚዳንት ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ኣምባሳደር ሽብሩ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን መንግስቲ እናወሰዶም ብዛዕባ ዝርከቡ ስጉምቲታትን ከምኡ እውን ከይዲ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ነተን ፕሬዚዳንት መብርሂ ሂቦምወን።

ፕሬዚዳንት ሳሚያ ሱሉሁ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት በቶም ኣምባሳደር ዝቐረበለን ገለፃ ዘመስገና እንትኾና፥ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገም ንምፍታሕ መንግስቲ እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ከምዝንእዳ ተዛሪበን።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት እውን እቲ ግድብ ንኩለን ተፋሰስ ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ፕሮጀክት ኢዩ ክብላ ገሊፀን።

ኣብ ታንዛኒያ ኣብ እሱር ዝርከቡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ንኽፍትሑን ናብ ሃገሮም ንምኽምለሱን ንምግባር መንግስተን ቅኑዕ ውሳነ ከምዝህብ እውን ምርግጋፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.