Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ኢትዮጵያ እናሎ ኢትዮጵያ ኣይትድፈርን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ኢትዮጵያ እናሎ ኢትዮጵያ ኣይትድፈርን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ምዕራብ ምዕራብ ኣብ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ዑደት ገይሮም።
ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ሰራዊት ኢትዮጵያ እናሎ ኢትዮጵያ ኣይትድፈርን ኢሎም።
ምሽጥር ጅግንነት እቲ ሰራዊት ዓወት ዝፈጥር እንትኸውን፥ ካብ መሬት ንላዕሊ ንትውልዲ ዝመሓላለፍ ሽም ተኺሉ ሞት ምስዓር፣ ንሃንደበታዊ ኣጋጣሚታት ዘይብዳህ፣ ባህጉ ንዕላማ ዘውዓለ
ምዃኑ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ዋጋ ናፅነት ምፍላጡ፣ ፀልማት ናብ ብርሃን ዝቕይር ጉልበት ስለዘለዎን ኣብ መንጎ ልምዓትን ጥፍኣትን ዘይፈርስ ጠንካራ ህንፃ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እዚ ጅግና ትውልዲ ክብሪ ኢትዮጵያ ሓሊዩ ዝቕፅል ዝማዕበለት ሃገር ከረክብ ኢዩ እውን ኢሎም።
ፀላእትና ክሳዶም ክደፍኡ ኢዮም ነዚ ዝኽፈል ዝኾነ ይኹን መስዋእቲ ክብሪ ምዃኑ ተዛሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “ሎሚ ኣብ ግንባር ምዕራብ ተረኺበ ዝረአኽዎ ምድላው ሰራዊት ኣዝዩ ዝነኣድ ኢዩ። ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሉእላውነታ ንምኽባር፣ ኩለ መዳይ ምድላው ዘረጋገፀ ሰራዊት ወሳኒ ኢዩ። ኣብ ግንባር ምዕራብ ዝረአናዮ ኢዚ ኢዩ።” ኢሎም።
ብኣልአዛር ታደለ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.