339 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)339 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ፡፡
ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም ብዝተገበረ ክትትል 281 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ኣተውቲን 57 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ወፃእቲን ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈት ከምዝተትሓዙ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ፡፡
መዓድናት፣ ኣልባሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ ጥራምረ፣ መለዋወጢ ተሽከርከርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐ፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሽሽ፣ መድሓኒት፣ ቀወምቲ እንስሳን ናይ ወፃኢ ሃገር ገንዘባትን ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ይርከቡዎም፡፡