Fana: At a Speed of Life!

32 ተለኣኣኽቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጥፍኣት እቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንምፍፃም ናብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ እናኣአተዉ ዝነበሩ 32 ልኡኻት ጥፍኣት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ኣብደልኣዚዝ መሓመድ ከምዝገለፁዎ፥ እቶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ዝኸኣሉ ልኡኻት ብህወሓት ኣተሓባበራይነት ካብ ሃገር ወፃኢ ወታደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ኢዮም፡፡

እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ጠረፍ ከባቢ እቲ ክልል ወረዳታት ኣሶሳ፣ ኩምሩክ ኣቢሎም ዶብ ኣቋሪፆም ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ክኣትዉ እንትብሉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም፡፡

መብዛሕተኦም መናእሰይ እንትኾኑ፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ መንግስቲ ፌዴራል ተዳኺሙ ኢዩ ብዝብል ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ተታሊሎም ናብቲ ጥፍኣት ዝኣተዉ ኢዮም ኢሎም፡፡

ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ እናተሳተፈ ዝነበረ ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ቤኒንሻንጉል(ቤህን) ምክትል ኣመራርሓ እቲ ፓርቲን ነቲ ፓርቲ ወኪሎም ኣብ መረፃ ዝተሳተፉ ሕፁያት፣ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተቐሚጡ እናተሓባበረ ዝነበረ ኣባል እቲ ጉጅለ ከምዝርከቡዎ ኣብሪሆም፡፡

ልኡኻት እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ዝሓዙዎ መሳርሒ ኲናት፣ ካራ፣ ገጀራ፣ ላፕቶፕ ኮምፒዩተር፣ ሒሳብ ደፍተር ባንኪን ካልኦት ናውቲን ተታሒዞም ኢሎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.