Fana: At a Speed of Life!

3 ሺሕን 375 ጠያይቲ ክላሽንኮቭን 783 ጠያይቲ ብሬንን ሓቢኡ ክሓልፍ ዝፈተነ ውልቀሰብ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ተዋዲዶም ብዝገበሩዎ ክትትል ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ተታሒዞም።

ኣብ ከተማ ጎንደር ቀበሌ 18 ዝነብር እሸቴ ፀጋው ዝተብሃለ ተጠርጣሪ ካብ ከተማ ጎንደር ናብ ከተማ ባህርዳር ኮድ 2 ኣማ 24492 ዳማስ መኪና ሻግ ብምስራሕ ብዙሕ ጠያይቲ ሓቢኡ ንምሕላፍ እንትፍትን እቶም ኣካላት ፀፅታ ብዝገበሩዎ ሓበራዊ ክትትል ኣብ ማእኸላይ ጎንደር ከተማ ኢንፍራዝ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ፡፡

እቲ ተጠርጣሪ 3 ሺሕን 375 ጠያይቲ ክላሽንኮቭን 783 ጠያይቲ ብሬንን ሓቢኡ ክሓልፍ ዝፈተነ ውልቀሰብ ኢድ ብኢድ ከምዝተትሓዘ ፍልፍላትና ታዘሪቦም፡፡

ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ውልቀ ሰብ ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ፍተሸ እውን ተወሳኺ ሓደ ክላሽን ኮቭ ጠመንጃ ምስ 2 ሺሕን 100 ጠያይቲ ተታሒዙ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.