Fana: At a Speed of Life!

3ይ ጉባኤ ቱርኪ ኣፍሪካ ጉዳያት ኣፍሪካ ብስፍሓት ዝተለዓሉሉ ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳተፈትሉ 3ይ ጉባኤ ምትሕብባር ቱርኪ ኣፍሪካ ኣፍሪካውያን ባዕሎም ደው ምባል ንኽኽእሉ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘድሃቡ ምትሕብባራት የድልዮም ዝብል ሓሳብ ተሰጒሙሉ ዝተሰጎመሉ ከምዝነበረ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ዘለዋ ውክልና ክተዕቢ ከምዝግባእን እቶም ዓለም ለኸ መድረኻት እውን ብኡ ልክዕ ፍትሓዊ ክኸውን ይግባእ ዝብሉ ሓሳባት ኣብቲ ጉባኤ ብፍሓት ከምዝተለዓሉ ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ኣፍሊጠን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ኢትዮጵያን ቱርኪን ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘለወን ክልተኣዊ ርክብ ኣጠናኺረን ኣብ ዝቕፅላሉ ጉዳይ ኣመልኪተን ተዛቲየን ኢየን ኢለን፡፡

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ዕዉት ግዘ ከምዘሕለፈ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ተዛሪበን፡፡

ብካሊእ መዳይ ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ሕዚ እውን ነቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንምውጋድ ዝተጠናኸረ ስጉምቲ ብመውሳድ ብዙሓት ውፅኢታት እናተረኸቡ ከምዝኾ ገሊፀን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝነበሩ ቦታታት ናፃ ምውፀኦም ብምሕባር፥ ዋና ከተማ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ወልዲያ ሓዊሱ ወታደራዊ ይኹን ስትራቴጂካዊ ረብሐኦም ልዑል ዝኾኑ ብዙሓት ቦታታት ናፃ ምውፀኦም ተዛሪበን፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝኣተዎም ከባቢታት ኩሎም ዓበይቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ጉድኣታት ምብፅሑ ኢየን እተን ሚኒስትር ዲኤታ ዝሓበራ፡፡

ድሕሪ ሕዚ እው ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ ብትኹረት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን፡፡

በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታት ተሓሳቢ ብዝገበረ ኩነታት ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ልዑል ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ፀሪሐን።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.