Fana: At a Speed of Life!

3ይ ዙር መልእኽቲ ስልኪ 8100 መተኣኻኸቢ እቶት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተጀመረሉ ታሽዓይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ሳልሳይ ዙር መልእኽቲ ስልኪ 8100 መተኣኻኸቢ እቶት ብፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብርኡ ንምምሕያሽ ብሓባር ዝተዋፈሩሉ ተምሳሌት ዓወት ዓድዋን ሓድነትን ኢዩ ኢለን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ እቲ ግድብ ካብ ፕሮጀክት ልምዓት ንላዕሊ ዋጋ ከምዘለዎ እውን ገሊፀን።

“ናይ ፅባሕ ተስፋና ኣቕሪቡ ዘርእየና ንናይ ሎሚ ድኽነት ጦርን ጋሻናን ስለዝኾነ፥ ትማሊ ዘለና ዝገበርናሉ ግድብ ብቕልጡፍ ብምዝዛም ዓወትና ክንደግም ይግባእ” ብምባል ፃውዒት ኣቕሪበን።

ኣብ ብሄራዊ በተ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምጅማር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ጥበብ ቀሪቦም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፣ ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፣ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳውን ዝተፈላለዩ ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ብኣክሱማዊት ገ/ህይወት

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.