Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ሚሊየን ብር ዘሽልም ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ድምፃውያን ፋና ላምሮት ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፋና ቴሌቪዥን ካብ ዝመሓላለፉ መደባት መዘናግዒ ሓደን ቀንዲን ዝኾነ ፋና ላምሮት ኣብ ዘካይዶ ውድድር ድምፃውያን ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ካካየድ ኢዩ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ 8ይ ምዕራፍ ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ድምፃውያን፥ ንተዓዋቲ ብር ሓደ ሚሊየን ናይ ክብሪ ፅዋዕን ክሽለም ኢዩ፡፡

ክፍሊ ምድላው ኢቲ ውድድር ንዲጂታል ሚዲያ ፋና ከምዝገለፆ፥ ኣብ ቴሌቬዥን ፋና ብቐጥታ ፈነወ ዝመሓላለፍ ፋና ላምሮት ውድድር ድምፃውያን ክሳብ ሕዚ 7 ምዕራፋት ውድድር ከምዘካየደን ኣብ 8ይ ምዕራፍ ውድድር ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም ኢዩ፡፡

ንዕቤት ኪነ-ጥበብ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ዝርከብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፥ ኣብ በቢ ምዕራፉ ተዓወትቲ ዝኾኑ ድምፃውያን 500 ሺሕ ብር ሽልማት ገንዘብን ብገንዘብ ዘይትመን ሙያዊ ሓገዝ እናሃበ ፀኒሑ ኢዩ።

ውድድር ናይ ብሉፃት ብሉፅ፥ በቢዓመቱ ኣብ ዝካየዱ ምዕራፋት ውድድር ተዓወትቲ ንዝኾኑ ጥራሕ ተመሪፆም ንዝለዓለ ክብሪን ሽልማትን ዝበቕዕሉ ውድድር ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.