Fana: At a Speed of Life!

273 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ 273 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ሎሚ መዓልቲ ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ጅዳኣፍሊጡ።

ካብ ሞንጎ እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተመለሱ ሰባት 134 ሰገናት፣ 137 ደቂ ኣንስቲዮን ክልተ ድማ ህፃናት ከምዝኾኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ስዑድ ዓረብ ብምትሕብባር ብዝገበሮ ፃዕሪ ኣብ ውሽጢ ከተማ ጅዳ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ሼሚሴ ዝነበሩ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረ ገሊፁ።

አቶም ተመለስቲ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዝምልከቶም ሚኒስቴር ቤት ዕዮታትን ዝተወከሉ ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ጅዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.