Fana: At a Speed of Life!

260 ቢሊየን ብር ዘመዝገቡ ሰብ ሃፍቲ ስዑድ ዓረን ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ተዋፊሮም – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ሰብ ሃፍቲ ስዑድ ዓረብ 260 ቢሊየን ብር ዘመዝቡ 233 ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስራሕ ከምዘውዐሉ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡

በዚ ድማ ን75 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ንኢንቨስት ዝመርፃ ሃገራትን ሰብ ሃፍቲን ቁፅረን እናዓበየ ከምዝመፅአ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ 79 ኣባላት ዘለዉዎ ላዕለዋይ ልኡኽ ቢዝነስ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ዑደት ንምድንፋዕ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንት ክልቲአን ሃገራት ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.