Fana: At a Speed of Life!

26 ለጥቢ 8 ሚሊየን ዝኾኑ ብሪታኒያውያን በፃሓት ክታበት ኮቪድ ምርካቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)26 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዝኾኑ ብሪታንያውያን በፃሓት ቀዳማይ ዙር ክታበት ቫይረስኮሮና ከምዝወሰዱ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ብሪታኒያ ማት ሃንኮክ፥ ከይዲ እቲ ክታበት “ዓቢዪ ዓወት” ክብሉ ገሊፆምዎ፡፡

እታ ሃገር ዓርቢ መዓልቲ ጥራሕ 711 ሺሕን 156 ዜጋታት ከቲባ፡፡

ብሓፈሻ ድማ ን2 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዜጋታት ካልኣይ ዙር ክታበት ሂባ ኣላ፡፡

ብኻሊእ መልክዑ ኣብዚ ሰሙን ዝተወሰና ሃገራት ኣውሮፓ ብምኽንያት ስግኣት ድሕንነት ኣስትራዜንካ ብግዚያውነት ምእጋደን ዝዝከር ኢዩ፡፡

ፈረንሳይ፣ ጀርመንን ጣልያንን ክታበት ኣስትራዜኒካ ስግኣት ድሕንነት የብሉን ብምባል ዳግም ንዜጋታተን እናኸተባ ከምዝርከባ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.