Fana: At a Speed of Life!

24 ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ተደምሲሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ልዕሊ ጥፍኣተኛ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘሎን ኣብ ቁፅፅር ናይ ምዉዓል ስራሕ ይፍፀም ከምዘሎን ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሚያ ገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ጉጅለ ኦነግ ሽኔ ብዝፈጠሮ ተግባር ግብረ ራዕዲ ህይወት ሰብ ከምዝሓለፈን ንብረት ከምዝዓነወን ዝዝከር ኢዩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ኦሮሞ ኣራርሳ መርዳሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ እኩይ ተግባር ኣብ ልዕሊ ዝፈፀመ ጉጅለ ኦነግ ሸኔ ፖሊስ እቲ ክልል ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ስጉምቲ ከምዝተወሰጀ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ከባቢ ጋዋ ቃንቃ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጭካነ ብዝተመልኦ ብኦነግ ሸኔን ብህወሓት ደጋፍነትን ዝተወሰተ ስጉምቲ ኣዚዩ መሕዘኒ ከምዝነበረ ይፍለጥ ኢዩ ኢሎም።

ክሳብ ሐዚ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ድማ 24 ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ተደምሲሶም ኢዮም ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.