Fana: At a Speed of Life!

ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ጉዳይ ማሪታይም ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኃል ንመሃብ ወሲኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን በዓል መዚ ጉዳይ ማሪታይም ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኃል ንመሃብ ወሲኖም።
ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ቤት ዕዮ እቲ በዓል መዚ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ፥ ንህልውና ሃገር ኣብ ዝግበር ወፍሪ ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንመሃብ ተስማዕሚዖም፡፡
ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ ያብባል ኣዲስ፥ ኢትዮጵያ ናብ ናዕቢ ንኽተምርሕ እናፀዓረ ዝርከብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምውጋእ ናይ ዘይምድፋር ታሪኽ ኢትዮጵያ ንምቕፃል ኩሉ ዜጋ ኩለመዳያዊ ምትሕብባር እናገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣመራርሓን ሰራሕተኛን እቲ ትካል፥ ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሉ ሓገዝ ብምግባር ብሓድነት ህልውና ሃገር ምርግጋፅ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ብግደኦም፥ እዋኑ ነዛ ሃገር ንናይ ወፃኢ ወረርቲ ኣቃሊዑ ንመሃብ ዝግበር ታሪኽ ዘይርሰዖ ተግባር ግብረ ራዕዲ ኢዩ ብምባል ከምዝኾነኑዎ ካብቲ በዓል መዚ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኢትዮጵያ ንወራሪ ተምበርኪኻ ከምዘይትፈልጥ ብምዝኽኻር፤ ሓድነትና ሓሊና ንህልውናና ብሓድነት ጠጠው ብምባል ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ካብ ምልጋስ ብተወሳኺ ኩሉ ሓገዝ ንምግባርን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ንምባል ከምዝተዳለዉን ገሊፆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.