Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ጉምሩክ ልዕሊ 112 ቢሊየን ብር ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣  3 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩክ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ልዕሊ 112 ቢሊየን ብር ከምዝኣከበ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣተኣኻኽባ እቶት ውፅኢታዊ ንክኸውን ካብ ዝገበሩ፥ መመሓየሽቲን ሕጊን ስርዓት ኣሰራርሓ፣ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ኣሰራርሓ ምትግባርን ካልኦት ስራሕቲ ለውጢን ከምኣብነት ተገሊፆም።

ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ካብ ዝተልኣኸ ቡና፣ ዕንበባ፣ ጫትን ካልኦት ፍሪያታትን ልዕሊ 3 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ አውን ተሓቢሩ።

ኮንትሮባንድ ወፃኢን ኣታዊን ምኽልካል፣ ዕግበት ተገልገልቲ ምዕባይ፣ ልምዓትን ኣጠቓቕማን ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኣብቲ ዓመት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ዝተሰርሐሎም ዓውዲታት ከምዝኾኑ እውን ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.