Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2024

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኣቦታት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ምስ ዝተረኸቡ ኣቦታትን ተዛቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ…

ኣብ ኣፍሪካ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ትኹረት ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ትኹረት ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቡ። 6ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ እናተኻደ እንትኸውን፥ ዘፈር ውልቀ ኣብ ሓምለዋይ ኢንቨስትመንታት ምጥቃም ኣብ ዝኽእለሉ…

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንኣይተ ደመቀ መኮንን ናይ ክብሪ ምፍናው ገይሮምሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንነበር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ናይ ክብሪ ምፍናው ምስጋናን ገይሮምሎም። ኣይተ ደመቀ ኣብ ዝነበሮም ናይ መሪሕነት ዘበን ንዘበርከቱዎ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኢዩ ምስጋናን ናይ ክብሪ…

ኣብ ግራንድ ኣፍሪካን ራን ንዝሳተፉ ኣትሌታት ሽልማት መኪና ተሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንገተን ዲሲ ኣብ ዝካድ ’ግራንድ ኣፍሪካን ራን’ ንዝሳተፉ ኣትሌታት ሽልማት መኪና ከምዝተሰናደአ ተገሊፁ፡፡ ግራንድ ኣፍሪካን ራን በቢዓመቱ ጥቅምቲ ምስ ኣተወ ኣብ ካልአይቲ ቀዳም ኣብ ከተማ ዋሺንግተን ዲሲ ዝካየድ ዉድድር ጉያ 5 ኪሎ…

2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ ሓመድ) ንሓረስቶት ንምብፃሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2016/17 ዓ.ም 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያሓመድ) ናብ ኢትዮጵያ ብምጉዕዓዝ ቅድሚ ክረምቲ ምእታዉ ንሓረስቶት ንምብፃሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ። ኣብ ትሕቲ ብሄራዊ ቴክኒካል ኮሚቴ መዳበሪያ ሓመድ…

ብናይ ሕሶት ሰነድ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ልዕሊ 56 ሚሊየን ዝግመት ቆርቆሮን ሓፂንን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሕሶት ሰነድ ብምጥቃም እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ልዕሊ 56 ሚሊየን ብር ዋጋ ዝግመት ቆርቆሮን ሓፂንን ከምዝተትሓዘ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣፍሊጡ። ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ኣዋሽ ብዝተፈላለዩ መዓልቲታት ብዝገበሮ ስራሕቲ ቁፅፅር ኢዩ 40 ሚሊየን ብር…

ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ናብ ስልጠና ተሃድሶ ዝኣተዉ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣቀባብላ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ንካልኣይ ዙር ናብ ስልጠና ተሃድሶ ንዝኣተዉ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣቀባብላ ተገይሩሎም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ መደረ ዘስምዑ ኮሎኔል ኣየለ ጊሳ÷ ኣብቲ ስልጠና ተሃድሶ ዝፍጠረሎኩም ዓቕሚ ናብ ታሕቲ ብምውራድ…

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንሓሙሽተ ትካላት “ሽልማት ዕውቱነት ትካላት ኢትዮጵያ” ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሎሚ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ ስርዓት ንሓሙሽተ ትካላት “ሽልማት ዕውቱነት ትካላት ኢትዮጵያ” ኣበርኪቶም። እቲ ሽልማት ዝተረከቡ፥ ንሚኒስቴር ግብርና፣ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ትካል ኣገልግሎት…

ዝምድና ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ጣሊያን ዘጠናኽር ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝምድና ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ጣሊያን ዘጠናኽር ዘተ ተሳሊጡ። ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣይተ ታረቀኝ ቡሉልታ፥ ብዋና ዳይሬክተር ምትሕብባር ልምዓት ጣሊያን ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘቲዮም። እቲ ዘተ ኣብ ዝምድና ኢንቨስትመንት ክልቲአን…

15 ሰባት ኣሳፊራ ዝነበረት ወተሃደራዊት ኣውሮፕላን ሩሲያ ተሓምሺሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)15 ሰባት ኣሳፊራ ዝነበረት ወተሃደራዊት ኣውሮፕላን ሩሲያ ተሓምሺሻ። እታ ነፋሪት ካብ ሸነኽ ሰሜን ምብራቕ ሞስኮ ብኣየር ክልል ኢቫኖቫ ኣቢላ ኣም ምሕብራት እንተላ ባርዕ ሓዊ ብምግጣሙ ምኽኒያት ምሕምሻሻ ተገሊፁ። ኣይኤል-76 ዝተብሃለት እታ…