Fana: At a Speed of Life!
Yearly Archives

2024

ቅርስታት ኢትዮጵያ ንምምላስ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣውሮፓ ንጨረታ ዝቐርቡ ቅርስታት ኢትዮጵያ ንምምላስ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ኮሚቴ ምምላስ ገሊፁ። ኣባል እቲ ኮሚቴ ኣሉላ ፓንክረስት (ዶ/ር)፥ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ጥራሕ ኣብ 27 ሙዚየማት ቅርስታት ኢትዮጵያ ከምዘለዉ ሓቢሮም። ብመሰረት…

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ጄኔራል ደቡብ ሱዳን ኣኮል ኩር ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ጄኔራል ደቡብ ሱዳን ኣኮል ኩር ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ተዛቲዮም። ዘተኦም ድማ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምርግጋእን ልምዓትን ኣብ ምርግጋፅ ሓበራዊ ሸቶታት ዘድሀበ ከምዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ…

ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ክልተ መራኽብ ሩሲያ መጥቃዕቲ ኣየር ምፍፃማ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ኣብ ግዝኣት ክረሚያ ኣብ ዝርከብ ፀሊም ባሕሪ ብዝወሰደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ኣዞቭን ያማልን ዝተብሃላ ክልተ መራኽብ ሩሲያ ከምዝወቕዐት ጦር እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ካብ እተን መራኽብ ብተወሳኺ ሓይሊ ኣየር ሩሲያ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ዝጥቀመሉ ማእኸል…

ገናሕቲ መካይን ካብ 4 ኪሎ ናብ ፒያሳ ዘሎ ህንፀት መገዲ ክሳብ ዝዛዘም ኣማራፂታት መገዲ ንክጥቀሙ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ገናሕቲ መካይን ካብ 4 ኪሎ ናብ ፒያሳ ዘሎ ህንፀት መገዲ ክሳብ ዝዛዘም ካብ 16 መጋቢት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣማራፂታት መገዲ…

ኣብ ክልል ጋምቤላ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ። ኣብ ሓፈሻዊ ኩነታት ፀፅታ እቲ ክልል ዘድሀበ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ጋምቤላ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ርእሰ…

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ጥንኩር ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውር ህፃት ብምክትታልን ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ናብ ሕጊ ብምቕራብን ጥንኩር ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ካብ ህዝብቢን መንግስቲን ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ንምውፃእ ምስ…

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጒያ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም። ኣብ ቻይና ከተማ ሁዋን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ጒያ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥ ኣትለየት ማሬ ዲባባ ነቲ ርሕቐት ብ2 ሰዓት 25 ደቒቓን…

160 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ዝኸበደ ውድድር ጕያ ዝፈፀመት ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሪጣንያዊት ጃስሚን ፓሪስ ነቲ ኣብ ዓለም ዝኸበደ ውድድር ጉያ ዝፈፀመት ፈላሚት ጓል ኣንስተይቲ ኰይና። ጃስሚን ነቲ “በርክሊ ማራቶን” ዝተሰመየ፥ 160 ኪሎ ሜትር ዝሽፍንን ልዕሊ 18 ሽሕ ሜትር ዓቐብን ቁልቁለትን ዘለዎ ውድድር ብትሕቲ 60…

ብሽይጣት መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ኣብ ዝለምዕ ዲዛይን ዓለም-ለኸ “መካነ-ቅርስ” ጢያ  ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሽይጣት መፅሓፍ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝኾነ “የመደመር ትውልድ” ኣብ ዝለምዕ ዲዛይን ዓለም-ለኸ “መካነ-ቅርስ” ጢያ  ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብ ከተማ ሆሳኢና ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ መድረኽ ዘተ፥ መክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል…

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እስራኤልን ሃማስን ዘካይድዎ ኲናት ብቕፅበት ደው ንክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ተዅሲ ብቅፅበት ደው ንክብል ሓዲሽ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣብ ግብፂ ኣብ ዝርከብ ራፋሕ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት ብምዃን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ሕሒ ኩሉ…